Zaid Amanuel Bein

  • MERBEB Eritrean Network for Justice Paltalk Room RULES

    ሕግታታ ንኹሉ ተሳታፋይ ንኽፈልጦ ፡
    1.ዝኾነ ዓይነት ጸርፊ ብጽሑፍ ኮነ ብድምጺ ኣይፍቀድን ።

    2.ብኣልማማ ንዝኾነ ህዝቢ ምጽራፍን ምንእኣስን ኣይፍቀድን ።

    3.ምንጣር ኣይፍቀድንዩ ፣ ፍቃድ ብምሕታት ብስምምዕ ግን ንውሱን ግዜ ይካኣልዩ

    4.ሃይማኖት ፡ ኣውራጃ ፡ ዓሌት ወዘተ ኣልዒልካ ምጽራፍን ምንእኣስን ኣይፍቀድን ።

    5.ኣድሚናት ካብ ኮለል ዘብሉ ዛዕባታት ፣ ንኣብነት (ታሪኽ፣ ጀብሃ ፣ ሻዕብያ )፡ ዝኣመሰሉ ናይ ምእላይ ተራ ክጻወቱ ይግባእ ።

    6.ብዛዕባ ናይ ካልኦት ደለይቲ ፍትሒ ገዛውቲ (ስመር ) ኣልዒልካ ምዝራብ ፣ ምጽላም ዘይምትብባዕ ።

    7.ኣንድነት ፡ ትግራይ ትግሪኚ ፡ ኣግኣዝያን ዝኣመሰለ ዛዕባታት ፡ ተጻራሪ ዓላማና ከም ምኾኑ መጠን ፡ ክዝረበሉ ወይ ክካትዓሉ ኣይፍቀድን ።

    8.ንተጋደልቲ ነበር ደለይቲ ለውጢ፣ ባራዩ ኢሰያስ እናበልካ ምጽራፍ ኣይፍቀድን ።

    9.ሰውራ ኤርትራ ፣ ገድሊ ፣ ተጋደልቲ ፣ ብሓፈሻ ፣ ሸፋቱ ወይ ሽፍትነት ምባል ኣይፍቀድን ።

    10.ስውኣት ኣልዒልካ ምንእኣስ ኣይፍቀድን ።

    ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ ።

     

    ሕጽር ዝበለ ሰሙናዊ መደባት፥ እቲ መደብ ከምዚ ዝስዕብ እዩ ፡

    ሰኑይ - ኩነታትና ምግምጋም ፡፡

    ሰሉስ -ኩነታት ስደተኛታትናን ውሽጣዊ ኩነታትናን

    ረቡዕ - ህልዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ከባቢና

    ሓሙስ - ስነጥብ ባህልን ልምድን ሃገርና ብሰፊሑ

    ዓርቢ ፥ ቀዳም ፥ ሰንበት - ዝተፈላለየ ዓቕምን ክእለትን ዘለዎም አጋይሽ ምዕዳም አብዚ መደብ ናይ ኣጋይሽና ምዕዳም ኩሎም አድሚናት ክታሓባበሩና ነተባብዕ ብተወሳኺ ንስራሕና ንምሕያል ናይ ሽማግለን አድሚናተን ኣብ ነፍሲ ወከፍ መጨረሻ ወርሒ አኼባ ይካየድ
    የቐንየልና አካያዲት ሽማግለ ።