Efrem Tesfahiwet commented on
About
2017-01-27 12:27:26 -0800
ሰላም ኣድሚን ! ናይ ስርዓተ ነጥቢ ዝእረም ስልዝረኣኽሉ፡ ክትእርምዎ ተስፋ ይገብር።
ቲቪ ፍትሒ!
እዚ ናይ ፍትሒ ቲቪ፡ ካብ ህዝቢ ብህዝቢ ንህዝቢ ኢሉ ዝተጀመረን ዝዓለመን ንብረት ህዝቢ ኤርትራ እዩ።
መደብን ዓላማን ናይ’ዚ ቲቪ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዉሽጢ ሃገሩን ኣብ ወጻኢሃገራት
ኣብ ስደት ንዝነብሩን፡ ሃገሮም ኤርትራ ኣብ ምንታይ ኩነታት ከምዘላ ንኽነግርን ንኸፍልጥን ንኽምህርን ንኽሕብርን ዝቖመ መደብ ዕዮ እዩ።
ኣስዕብ ኣቢልካ ሰብ ሞያ ዜጋታት፡ በብኣፍልጦኦም፡በብትምህርቶም፡ በብኽእለቶም፡ በብሞያኦም፡ንህዝቦም ዝምህርሉን ዝምዕድሉን መደብ ዘተን ዓምድን ዘስፍሕሉን እዩ።
እዚ ብደለይቲ ፍትሒ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ስደት ዝቖመ እዩ። ኤርትራ ሃገርና ናይ ብዙሓት ዓሌትን፡ብሄራትን፡ ቀቢላትን፡ እምነታትን፡ ቛንቛታትን ሃገር እያ።
ቲቪ ፍትሒ፡ ሃገርና ኤርትራ፡ ብፍትሕን ብስርዓትን ክትምራሕ፡ ብቕዋምን ብባይቶን ክትመሓደር፡ህዝብና፡ ኣብ ሃገሩ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ኣብ ሰላምን ኣብ ራህዋን ከይፈርሔ ንኽነብር እትምህርን እትቃለስን ክውን ንክኸውን፡ከይተሓለለት እትምህር ቲቪ ፍትሒ እያ።
ኣብ ኣካይዳን ኣመሓዳድራን ዝምልከት፡ ብሓላፍነት ዝሕተት፡ ብግሉጽነት ዘቕርብ፡ ነጻ ሓሳባት ዝቕበልን፡
ሃናጺ ርእይቶታት ዘማዕብልን፡ ኣብ ሓሳባትን ነቀፈታን ዘአንግድን መሰረት ሰብኣዊ መሰላት ዘኽብርን ዝሕሉን፡ መደብ ስነጽሑፍ ኤርትራ እዩ።